|
|
|||
|
||||
Overview"""ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ - ካብ ማቲየንሶ ክሳብ ተድላ""፡ መቐጸልታ ናይቲ ""ኣይንፈላለ፡ ኤርትራ 1941-1950"" ብዝብል ኣርእስቲ፡ ብሰነ 2001 ብኣሕተምቲ ሕድሪ ተሓቲሙ ዝተዘርግሐ ጽሑፍ ኢዩ። ኣብ ጊዜ ብረታዊ ቓልሲ፡ ማለት ኣብ 1987-1988፡ ክፍሊ ፖለቲካዊ ምንቕቓሕ ህ.ግ.ሓ.ኤ፡ ""ምምሕዳር ብሪጣንያ ኣብ ኤርትራ""ን፡ ""መድርኽ ፈደረሽንን ጐበጣ ኤርትራ ብኢትዮጵያን"" ዝብላ ጽሑፋት ኣሕቲሙ ነይሩ። ሽዑ ዝነበረ ሕጽረት ሓበሬታን ውሱንነት ዓቕምን እተን ጽሑፋት ተማሊአን ንኽቐርባ ኣየኽኣለን። ""ኣይንፈላለ""ን እዚ ናይ ሕጂ ጽሑፍ ብዛዕባ ቐዳማይ ክፋል መድርኽ ፈደረሽንን፡ ነቲ ናይ'ቲ እዋን ሕጽረታት ኣማሊኡ ከቕርብ ፈቲኑ ኣሎ። ኣብ መእተዊ ናይ ""ኣይንፈላለ"" ብሰፊሑ ተገሊጹ ከም ዘሎ፡ ሓቀኛ ታሪኽ ኤርትራ ካብ ሰነዳት ናይቶም በብጊዜኡ ዝገዝኡዋ ወገናትን ካልኦት ናይ ደገ ተዓዘብትን ጥራይ ክግለጽ ዘይክኣል'ዩ። ታሪኽ ኤርትራ ብኤርትራውያን ዝስራሕ ክነሱ ግን፡ ማዕረ'ቲ ናይ ገዛእቲ ሰነዳት ክሰርዖ ብዝኽእል ኣገባብ ከይተሰነደ ስለ ዝጸንሐ፡ ብዛዕብኡ ክጽሕፍ ዝብገስ ሰብ ብዙሕ ከም ዝጻገም ክፍለጥ ይግባእ። ካብኡ ናብኡ፡ እቲ ኣብ ""ኣይንፈላለ"" ሰፊሩ ዘሎ ናይ 1940'ታት ታሪኽ'ኳ ይሓይሽን ገለ ምንጭታት ይርከበሉን እምበር፡ እቲ ናይ እዋን ፈደረሽን ፍጻመታት ግን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ኢሉ ሰነዳት ስለ ዘጥፍአን ናብ ኢትዮጵያ ስለ ዘግዓዘን፡ ብሓበሬታ ዝደኸየ ኢዩ።" Full Product DetailsAuthor: Alemseged Tesfay , Freminatos StifanosPublisher: Hdri Publishing Imprint: Hdri Publishing Dimensions: Width: 15.20cm , Height: 2.30cm , Length: 22.90cm Weight: 0.599kg ISBN: 9789994800094ISBN 10: 9994800094 Pages: 452 Publication Date: 02 January 2023 Audience: General/trade , General Format: Paperback Publisher's Status: Active Availability: In stock We have confirmation that this item is in stock with the supplier. It will be ordered in for you and dispatched immediately. Table of ContentsReviewsAuthor InformationTab Content 6Author Website:Countries AvailableAll regions |